"Aba Guayla" Dziesmu vārdi
"Aba Guayla" ir dziesmu vārdi tālu valodā.
Nozīme "Aba Guayla" nāk no tālu valodas, un pašlaik tā nav pārveidota par tulkojumu angļu valodā.
Aba Guayla (ኣባ ጓይላ)
Song
Singers: Faytinga & Veronica Solomon
Songwriter (poem): Amanuel Teame
Melody & arrangements: Temesghen Yared
Studio recording & mastering: Temesghen Yared
Vocal recording: John Gebre
Video production
Director: Dr. Yonathan Tsige
Assistant director: Esayas Tewolde
Makeup artists: Selamina
Producer: ERISAT
Production manager: Henok Tekle
Lyrics (Tigrinya)
ኣባ ጓይላ
ስርዓት ኣልቦ ሕሱም ኣባጓይላ
ሳዕስዒትና ሓሪምዎ ዋዕላ
ከነኹድድ ውዒልና ንሓድር
ከልኪሉና ብርኪ ከይንሰብር።
ኣዝማች - ኣባጓይላ ካብ ስላዕ ሓሊፉ
ሴፍ ኣልዒሉ `ቲ ንቡር ገዲፉ።
ኣባጓይላ በይኑ ተሓምበለ
ካብ ዳስ ሓውያ ዝወጽእ ዘየለ።
ንመርዓዊ ኣባሪሩ ግዳም
ነታ መርዓት ደኒሱ ብሕማም
ሽማግለ ወራዙት ኣግሊሉ
ዓምጺጽዋ ዘሪፉ ብሓይሉ።
ኣዝማች - ኣባጓይላ ካብ ስላዕ ሓሊፉ
ሴፍ ኣልዒሉ `ቲ ንቡር ገዲፉ።
ኣባጓይላ በይኑ ተሓምበለ
ካብ ዳስ ሓውያ ዝወጽእ ዘየለ።
ኣዳኖታት እንከለዋ ኣ`ብ ቅርዓት
ዘሰንያ ዘይብላ `ዛ መርዓት
ተወሺባ ካብ ሕጊ ካብ ስርዓት
ኣባጓይላ ኮይኑዋ መንደዓት።
ብለባማት ግደፍ ተባሂሉ
ንኽናሳሕ ኣሚኑ በደሉ
ተሓሲሙ ምኽሪ ከም ኣመሉ
ኣባጓይላ ካብ ስርዓት ኮብሊሉ።
ወራድ መርዓ ደባሎ ከራሮ
እቶም ወናማት ሃረምቲ ከበሮ
ኣብ ዳስ ሓውያ ኣትዮም ከምዘይወጹ
ተደፊኦም ገደል ኣንደልሃጹ።
ብዘይ ዓርኪ ኣማኒ ዘይብሉ
ምስታ መርዓት ተወጢሑ ባዕሉ
ንመርዓዊ በረኻ ሰጒጉ
ዓሚጽዎ ኣማኒቱ የ`ሕዲጉ።
ብዘይ ኪዳን ሕዳር ሓዳር ጌሩ
ኣባጓይላ መርዓው ተቐይሩ
ብዘይፍታው ስድራቤት ወለዲ
ከይመረቑ ሽማግለ ዓዲ
ንሕጽኖት ተሰቒሉ `ብ ንእዲ
ኣይቀውምን ናሕሲ ብዘይ ዓንዲ።
ኣዝማች - ኣባጓይላ ካብ ስላዕ ሓሊፉ
ሴፍ ኣልዒሉ `ቲ ንቡር ገዲፉ።
ኣባጓይላ በይኑ ተሓምበለ
ካብ ዳስ ሓውያ ዝወጽእ ዘየለ።
#eritreanmusic #tigrignamusic #erisat #abaguayla #neweritreanmusic2023 #eritrea #worldmusic #musiquedumonde